የኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን

ከውክፔዲያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መሠረተ እምነትን ትምህርትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ • ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፦ ሓንቲ ቅድስት ሓዋርያዊት ኣጽናፋዊት ቤተ ክርስቲያን እያ፡- • ‘ኤርትራዊት’ ዝተባህለትሉ ምኽንያት ኣብ ሃገረ ኤርትራ እትርከብ ብምዃና፣  • ‘ኦርቶዶክስ’ ዝተባህለትሉ ምኽንያት ቅኑዕ እምነት ስለዝኃዘት፣  • ‘ተዋሕዶ’ ዝተባህለትሉ ምኽንያት ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይን ማለት ፍጹም ኣምላኽ ፍጽም ሰብን ከም ዝኾነ ስለ እትኣምንን ከምኡ ኢላ ድማ ስለ እትምህርን እተእምንን እዩ።


• መሠረት ሕግን እምነትን ትምህርትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 81 መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። • ብናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ትኣምን። እግዚአብሔር ብስም ብግብሪ ብኣካል ሠለስተ፣ ብመለኮት ብፍቓድ ብህልውና ሓደ እዩ ኢላ ትኣምን። (ዘዳ. 6፥4) ስም ሠለስትነቱ ድማ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። (ማቴ. 28፥19-20) • ካብዞም ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል ዝኾነ እግዚአብሔር ወልድ፡ ደቂ ሰብ ንምድኃን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፣ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ፡ ብተዋሕዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮነ፣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፡ ሕገ ወንጌል መሃረ፡ ምእንቲ ኃጢኣት ደቂ ሰብ ኣብ መስቀል ተሰቕለ፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ተንሥአ፣ ንሰማያት ዓረገ፣ ኣብ ሕያዋንን ሙታንን ኪፈርድ ንካልኣይ ጊዜ ኪመጽእ እዩ” ኢላ ትኣምንን ተእምንን።  • በታ ጸጋ ውልድነት ተውህብን፣ ኃጢኣት ዝሥረየላን ሓንቲ ጥምቀት ትኣምን። (ዮሓ. 3፥5-8፣ ግብ.ሓዋ. 2፥38)  • በቲ ሕይወተ ሥጋን ነፍስን ዝህብን ካብ ኃጢኣት ዘንጽሕን ሥጋ ወልደ እግዚኣብሔር ትኣምን። (ዮሓ. 6፥54-57) • ኣብ መወዳእታ ዘመን (ዳግም ምጽኣት) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኽብርን ምስጋናን ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ ፡ ኵሎም እቶም ዝሞቱ ሰባት ኪትንሥኡ ምዃኖም፣ “እቶም ሠናይ ዝገበሩ ኣብ መንግሥተ ሰማያት፡ ክፉእ ዝገበሩ ድማ ናብ ዘለዓለም ኵነኔ (ገሃነመ እሳት) ኪኸዱ ምዃኖም” ትኣምንን ተእምንን። (ማቴ. 24፥24-33 ፡ 25፥46)  • ንምእመናን መንፈሳዊ ጸጋ ዜውህብ ኣገልግሎት እትህበሉ ሾብዓተ ምሥጢራት እዞም ዝስዕቡ’ዮም ፦  • ብጥምቀት፦ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንን ኣብ ሓድሽ ሕይወት ምንባርን ትህብ (ዮሓ. 3፥3-8)፣ • ብሜሮን፦ መንፈሳዊ ዕቤትን ጽንዓትን ተኅድር (ሉቃ. 1፥80)፣ • ብቍርባን፦ ኅድገት ኃጢኣት ናይ ዘለዓለም ሕይወትን ተውህብ (ዮሓ. 6፥52-58)፣ • ብክህነት፦ ናይ ምምሃርን ምጥማቕን ምቕዳስን ኃጢኣት ምስትሥራይን መንፈሳዊ ሥልጣንን ትህብ (ዮሓ. 20፥23)፣ • ብንስሓ፦ ኅድገት ኃጢኣትን ምሕዳስ ሕይወትን ትህብ (ግብ.ሓዋ. 3፥19-21)፣ • ብተክሊል፦ ጽንዓት ቃል ኪዳንን ናብራ ቅድስናን ተኅድር (ሚል. 2፥14-16፣ ኤፌ. 5፥21-33፣ ማቴ. 19፥1-9)፣ • ብቀንዲል፦ ኃይሊ መንፈሳውንን ጥዕናንን ትህብ (ያዕ. 5 ፥14-17፣ ማር. 6፥13)፣ እምበኣር እዞም ፯ተ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ብዚርአ ኣገልግሎት፡ ዘይርአ ጸጋ ዘውህቡ ምዃኖም ትኣምንን ተእምንን። • ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ መላእኽትን ፡ ነቢያትን፡ ሓዋርያትንን ፡ ሰማዕታትን፡ ጻድቃንን ትኣምን።  (ዮሓ. 2:1-13፣ ሉቃ. 20፥37-39፣ ራእ. 6፥9፣ ዕብ. 12 ፥15፣ ዘፀ. 32፥1-14፣ ማቴ. 10፥40-42)

• ብዛዕባ መንፈሳውያን ሥነ ምግባራት ከምዚ ዚስዕብ ኢላ ትኣምን ትምህርን፦ ࿇ ጸሎት፦  • ናይ ውልቂ ፡ ናይ ሥድራ ቤትን ናይ ማኅበርን ተባሂሉ ኣብ ሠለስተ ይኽፈል፡ • ኣብ መዓልቲ ፯ተ ጊዜ ይጽለ። ንሱ ኸኣ ነግህ(ንግሆ)፡ ሠለስቱ (ረፋድ 9:00)፡ ስድስቱ (ፍርቂ መዓልቲ)፡ ተስዐቱ (ኣጋ ጊዜ 3:00)፡ ሠርክ(ምሸት)፡ ንዋም(ጊዜ ድቃስ)፡ መንፈቀ ሌሊት(ፍርቂ ለይቲ) እዩ። (መዝ 119፥164) ࿇ ምጽዋት፦ ኅቡእን (ሥውር)፡ ግሉጽን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኽፈል። ࿇ ስግደት፦ ናይ ኣምልኾ፡ ናይ ጸጋን ናይ ኣኽብሮትን ተባሂሉ ኣብ ሠለስተ ይኽፈል። ࿇ ጾም፦ ክልተ ዓይነት ኮይኑ ናይ ውልቂ (ብሕቲ) ጾምን፡ ብትእዛዝ ቤተ ክርስቲያን ዝጽወም ናይ ኣዋጅ ጾምን እዩ። እዞም ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ፯ተ እዮም። ንሳቶም ድማ ፦ ጾመ ነቢያት (15 ኅዳር - 28 ታኅሣሥ)፡ ዓርበ-ረቡዕ፡ ገሃድ ድሮ ልደትን ጥምቀትን፡ ጾመ ነነዌ (3 መዓልቲ) ፡ ጾመ ኣርብዓ (55 መዓልቲ)፡ ጾመ ሓዋርያት (ድኅሪ በዓለ 50 ዘሎ ሰኑይ - 5 ሐምለ)፡ ጾመ ፍልሰታ (1 ነሓሰ- 15 ነሓሰ) እዮም።  • በዓላት ዝበሃሉ በዓላት ጐይታ፡ በዓላት እግዝእትነ ድንግል ማርያም፡ በዓላት ቅዱሳን፡ ከምኡ ድማ ቀዳመ-ሰንበት በዓላት እዮም።  • እትግልገለሎም ስብሓታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ሰዓታት ዘመዓልት ወዘሌሊት፡ ጸሎተ ነግህ፡ ያሬዳዊ ማኅሌት፡ ስብከተ ወንጌል፡ ቅዳሴ፡ ጸሎተ ሠርክ፡ ፍትሓት ጸሎተ ምውታን ። • “ቅዱሳት” ብዝብል ቅጽል ስም ሂባ፣ ብቀኖና ዝተቐበለቶም መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን(ኣሥራው )፣ ኣዋልድ መጻሕፍትን እዮም። • እዞም ዝስዕቡ ናይ ምምኅዳር ኣዕማድ ኣለውዋ፦ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ መንበረ ፓትርያርክ፡ ሃገረ ስብከት (መንበረ ጵጵስና)፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ክልል ሰበኻ ቤተ ክርስቲያንን። • ብሓሳብ ዲሜጥሮስ ዝተቐመረ ኣቈጻጽራ ዘመን (ካላንደር) ትኽተል። • ሥነ ጽሑፋ ዓቂባ ዝጸንሐትን እትነብርን ብምዃና፡ ዝጸንሑ ፊደላትን ኣኃዛትን ከየጕደለት ዓቂባ ትነብር።  • እትቅበሎም ጉባኤታት ሠለስተ እዮም ንሳቶም ድማ፦  • ጉባኤ ኒቅያ (325 ዓ.ም.) • ጉባኤ ቍስጥንጥንያ (381 ዓ.ም.) • ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) • ምስ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ዝበሃላ ምስ ኢትዮጲያ፡ ግብጺ፡ ሶርያ፡ ኣርመን፡ ህንዲ (ማላቨር) ኣብ ነገረ መለኮትን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ርክብ ስለዘለዋ ኣብ መንበሮም ምቕዳስን፡ ኣብ መንበራ ክቅድሱን ይከኣል እዩ። ናይ ቍርባን ሓድነትን ናይ ክህነት ቀኖና ሓድነትን ኣለዋ።

እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንና ይባርኸልናን ይሓልወልናን!!! ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!

ምንጪ፦ ቃለ ኣዋዲ ኣንቀጽ 1፡ 5፡ 6፡ 7፡ 16፡ 17፡ 18፡ 19፡ 20፡ 21፡ 22፡ 23፡ 27፡ 120፡ 121፡

https://lisantewahdo.org/index.php/2015-08-15-05-52-48/52-2015-08-15-07-11-16/141-2015-10-02-09-44-20 Archived ኦክቶበር 17, 2017 at the Wayback Machine