አባል:ኣርዮስ ፋጎስ

ከውክፔዲያ

ኣብ ማሕበራዊ ናብራና

ፍልስፍና ምስ መዓልታዊ ናብራና ብኸመይ ይራኸብ

ፍልስፍና ኣብ ማሕበራዊ ናብራና ድማ ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ የድልየና። ምእንቲ ምንታይሲ ምእንተ ሰላማዊን ዝተረጋገአ ማሕበረሰብ ንምፍጣር። ንፍቕሪ ብእንካን ሃባን ስልሒት ዘይርኢ ኣቦ ንውላዱ መርኣያ ፍቕሪ እዩ፤ ምስ ጎረባብቱ ድማ ኣብ ጌይረልካሞ ግበረለይ ዘይተመሥረተ ሓሳባዊን ንዋታዊን ለግሲ እንዳማዕበለ ይኸይድ፤ ንሰባት ዝሓዝንን ዘፀናንዕን ምእንተ ባህሊ ኢሉ ዘይኮነስ ሓዘን ካልኦት ከም ሓዘኑ ቆፂሩ እዩ። ምኽንያቱ ፅባሕ ንጉሆ እሱ እውን ኣብ ገዛእ ርእሱ ብዛዕባ ዝፍጠር ነገር መፍለጢ መሣርጢ ስለ ዘይብሉን ኣብ ሎሚ ኮይኑ ድማ ብዛዕባ ፅባሕ ስለ ዝነብር እውን እዩ። ግና ባህሊ ክኽበር የብሉን ማለተይ ኣይኮነን፤ ግን ድማ ኵሉ ባህሊ ኣይኽበርን ክክበር እውን ኣይብሉን፤ ባህሊ ስለ ዝኾነ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ክኽበር የብሉን ባህሊ ስለ ዝኾነ እውን ዓቀኑ ዘይተፈልጠ መድሓኒት ባህላዊ ሕክምና ኣይውሰድን ኵሉ ባህሊ ክኽበር የብሉን፤ ኵሉ ተዝኽበር ኵሉ ባህሊ ተዝጠቅም ጠቓምን ጎዳኢን ተባሂሉ ኣብ ፪ ኣይምተመቐለን። እምበኣርከስ ፍልስፍና ኣብ ማሕበራዊ ናብራና ነዚኦምን ካልኦትን ንምምርማር ይጠቕመና ማለት እዩ። ዘይውጋዕ ነገር የለን ምኽንያቱ ሓንጎል ወዲ ሰብ ዘይሓስቦ ነገር ስለ ዘየለ ኣይሓስብን ኢልካ ዘይምሕሳብ ስለ ዘይከኣል ማለተይ እየ። ንህፃውንቲ ንሕና ብዝደለናዮ ተይኮነስ ንሶም ብዝደለይዎ ንክዓቢዩ ምግባር ናይ መፃኢት ሃገር መሠረት ምንባር ምዃኑ ምርዳእ የድሊ፤ ንተግባራዊነቱ ድማ ካብ ስድራኻ ይጅምር ወድኻ ፓይለት ክኾን እንተደልዩ መዕርፎ ነፈርቲ ምውሳድ፥ ኢንጅነር ክኾን እንተድልዩ ሥራሕቲ ሥነ ህንጸት ናብ ዘለዎ ቦታ ምውሳድ፥ ሓኪም ክኮን እንደልዩ እውን ሕክምና ትወስዶ፥ ጋዎን ትገዝኣሉ፤ ነቲ ህፃን ብሓቂ ምሕጋዝ የድሊ ነዚ ሥራሕ ድማ ከም ካልኣዋይ ሥራሕ ዘይኮነስ ከም ቀዳማይ ሥራሕ ገይርካ ንርእስኻ ምእማን። እዚ ዕብዳን የኾነይ ፍልስፍና ኣብ መዓልታዊ ናብራና የድልየና ማለት ከምዚ እዩ።