አባል ውይይት:ኣርዮስ ፋጎስ

Page contents not supported in other languages.
ከውክፔዲያ

ሃይማኖትን ሳይንስን[ኮድ አርም]

ሃይማኖትን ሳይንስን ኣንገሶም ብርሃነ ሃይማኖትን ሳይንስን ክልተ ብ ሰዓብቶም ዘይራኸቡ ብባዕሎም ግን ስጡም ርክብ ዘለዎም ስነ ሓሳባት ዘራኽቦም ሓሳባት ዮም፡፡ዘይሳነዩ ዝመስሉ ግን ድማ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝመላልኡ ምልኣተ ሂወት ዘረጋግፁ ምሽጥ ህይወት ደቅሰባትዮም፡፡

ነገር ግን በሰዓብቲ ክልቲኦም ብዘመናት  ዘይዕረቅ ፅልኢ ነይሩ አሎውን ክነብርውን ዩ፡፡ 
                           እንዳ ሳይንስ

ኣብንዳ ሳይንስ ሃይማኖት ከም መግለፂ ድሕረትን ድንቁርናን ክትመሃር እናተገበእካ ሱቅ ኢልካ ኮፍ ኢልካ ምትስፋውን ጥራሕ መለኮታዊ ሓይሊ ምፅባይን ክትፅዕርን ብዙሕ ክትመራመርን ክትምርምርን እናተገበእካ ገባሪይ ሓዳጊይ መለኮታዊ ሓይሊ ኣሎ እንዳበልካ ፈሊጥካ ምህራስ ብዓርሰ ፍቃድኻ ባርያ ምኻንን ባዕልኻ ብርእስኻ ኣብ ዝፈጠርካዮ ዓለም ተገዛኢ ኮይንካ ምንባር ብ መቁሕ ሃይማኖተኝነት ተዓዊርካ ኮፍ ኢልካ ዳርጋ ዕሽነት ብዝኮነ ተስፍውነት ዘይረእካዮ ነገር ምፅባይ እዩ ሃይማኖት ይብሉ ሳይንሳውያን፡፡

                              እንዳ ሃይማኖት

ኣብ እንዳ ሃይማኖት ድማ ሳይንስ ካብ ፋሕጠርጠር ዘይዘልል ትዕቢት ዝወለዶ ኩሉ ክትፈልጥ ምድላይ ወድሰብ ደካማ ፍጡር ምኻኑ ናይዘይ ምቅባል ትዕቢት ብ ቀቢፀ ተስፋነት ዝግበር ሃለውለው ን ኣጉል ዘመናውነትን ብስም ፍልጠት ድማ ናብ ዘይትወፆ መዓሙቅ ምእታው ዳርጋ ዕብዳን ትበዝሕ ትበዝሕ ተሎ ድማ ምልክት ፍፃመ ዓለም ሓያል #ፈጣሪ ዘይኮነስ ሓያል ሰብ እዩ # ኢልካ ዘረባስ ንኣምላኽ ምፍትታንን ድልየት ኣምላኽነትዩ ይብልዋቶ ሃይማኖታውያን ንሳይንስ፡፡ ኣርዮስ ፋጎስ (talk) 06:27, 17 ኤፕሪል 2020 (UTC)[reply]

ሃይማኖትን ሳይንስን ብዙሕ ዝውግዐሎም ስነ ሓሳባት ዮም ኣርዮስ ፋጎስ (talk) 06:43, 17 ኤፕሪል 2020 (UTC)[reply]