መደብ ውይይት:ሥነ ኑባሬ

Page contents not supported in other languages.
ከውክፔዲያ

ፍልስፍና መዓዝ የድልየና ብኣንገሶም ብርሃነ ብዙሓት ንፍልስፍና ኣዝዮም ይፈርሓዋን ይሃድምዋን፤ ልምንታይ ሲ ሕቶ ልበሃል ረዚን ቃንዛ ስለ ተልዕለሎም። ሕቶ ብነብሳ ቃንዛ ኣይኮነትን እኳ ደኣስ ሕቶ ንነገራት ተብርህ ትቐሳቕስ ብዕሙቀት ንክትሓስብ፥ ንክትምርምር፥ ክተዳምጽን ከተንብብን እውን ትገብር መንገዲ ፍልጠት እያ። ግና ነቲ ምሕሳብ ዘይግዱ ምምርማር ዘይከርና ዝኾነ መህድኢ ዘይብሉ ቃንዛ ትፈጥረሉ፤ ሕቶ። ፍልስፍና ከከም ባዕልና እዩ፤ ፍልስፍናና ምስ መዓልታዊ ህይወትና ዝተተሓሓዘ እዩ፤ ፍልስፍና እንተበልኩ ካሊእ ኣይኮነን እሞ፤ ፍልስፍና ኣነ መን እየ፥ ካበይ ከ መፂእ፥ ልምንታይ ከ መፂእ፥ መወዳእታይ ከ እንታይ እዩ ማለት እዩ ብሓፂሩ እንትግለፅ፤ በሰፊሑ ድማ ከም ስፍሓቱ ትኸዶ። ህይወት ፍልስፍና ህይወት ሕቶ እዩ፤ ናብራ ፍልስፍና ናብራ ምርምር እዩ። ኣሽምባይ ዶ ክትፈርሖን ክትርሕቆን ክትነብሮ ዘብህግ ኣለሻ ጥበብን ልክፍቲ ሓያል ፍቕሪ ፍልጠት እዩ። ተበግሶ ኣለሻ ፍልጠት ባህርያዊን ተፈጥሮኣዊን እዩ፤ ልክዕ ንከብዲ መግቢ ንዓይኒ እውን ብርሃን ከም ዘድሊ ንናይ ነብሲ ሃሴት እውን ፍልጠት ከም ዘድልያ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ንዓይኒ ብርሃን፥ ንእዝኒ ድምፂ ፥ ንኣፍንጫ ድማ ጨና ዝበሃል ነገር ከም ዝተፈጥረ ንርእሲ ድማ ሓሳብ ተፈጥረ፤ ሓሳብን መሕሰቢን ድማ ኮኑ። እምበኣርከስ ጥምረት ሓሳብን መሕሰብን ከምዚ ካብ ኮነ ኣብ መዳይ ፍልስፍና ድማ ምሕሳብ፤ ብነፃነት እዩ፤ ምንባር ብግልፅነት እዩ። ኣብ ናብራ ፍልስፍና ምሕሳብ ብነፃነት ማለት ዕብዳን ኣይኮነን፤ ምንባር ብነፃነትውን ዕብዳን ኣይኮነን እሞኸ ስለ ምንታይ ደኣ ሰባት ንፍልስፍና ይፈርሕዋ ስለ ምንታይ ከ ይሃድምዋ። ኣብ መዓልታዊ ናብራና ምስ ብዙሕ ሰብ ክንራኸብ ግድን ስለ ዝኮነና ብዙሕ ባህሪያት ደቂ ሰባት ክንረክብ እውን ንግደድ ካብቲ ጠዋይ ኣተሓሳስባኡ ነቲ ቅኑዕ ኣታሓሳስባኡ ብብዙሕ ንመርፅ ስለ ምንታይ ሲ ካብ ፃውቱ ብዙሕ ንመሃር። ካብፃውቱ ብዙሕ ዝተምሃርና ካብ ቁም ነገራቱ ደኣ በዙሓት ሥነ ሓሳባት ከመይ ዘይነግኒ፤ ብተመሳሳሊ ከምቶም ንመርፆም ሰባት እንድሕር ደኣ ኮይንና ንሕና እውን ብሰባት ከም ንምረፅ ምንም ጥርጥር ኣይብሉን። ኣብ ናብራ ፍልስፍና ምሕሳብ ብነፃነት ማለት ኣብ ህይወት እቲ ዝለዓለ ነፃነት እዩ፤ ምኽንያቱ ንክሓስብ ነፃነት ዝረኸበ ሰብ ንክዛረብ ዘዕንቅፎ የለን፤ ምዝራብ ድሕሪ ምሕሳብ ስለ ዝኾነ ብካልእ ገፅ ድማ ዝሓስቦ ዘይሰኣነ ሰብ ዝናገሮ ኣይስእንን ማለት እዩ። እሞ ብፍልስፍና ዝተፈላለየ ሥነ ምሕደራዊ፥ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ፀገማትና ምፍታሕ ንኽእል ኢና፤ ምኽንያቱ ፍልስፍና ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቃስና ምሳና ስለ ዘሎ።

ፍልስፍና ኣብ ሥነ ምሕደራ

ብነፃነት ዝሓስብ ሰብ ነፃነት እንዳማቱ ኣይዳፋእን፤ ኣድላይነት መሰል ምዝራብ እውን ኣይንገሮን። ዓለምና መድረኽ ውድድር ምዃና ንክኣምን እውን ጊዜ ኣይወስደሉን። ስለዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድር ህይወትን ውድድር ሥነ ምሕደራዊ ሓይልታትን ቅልጡፍ ምላሽ ይህብ፤ ኣብ ውዳበታት ሥነ ምሕደራ ዝግበር ንሕንሕ ከም መሰጋገሪን ከም መንገዲ ለውጢ ንክሓስቦ ኣይፅገምን። ብነፃነት ናይ ምዝራብ ባህሪኡ ተጠቒሙ ድማ ብዘይ ቃል ዓለም ይድግፍን ይነቅፍን፤ ነፃነት ካልኦት ድማ ብተግባር የኽብር፥ ይንቀፍ፥ ግብረ መልሲ ነቀፌታኡ ድማ ብውሕሉል ሥነ ሓሳብ ይሙግት፤ ውድድር ከም ዘሎ ዝኣመነ ድማ ሽንፈቱ ንምቕባል ኣይዕቅቦን፤ ካብ ሽንፈቱ ተበጊሱ ድማ ጉዕዞ ዓወቱ ይፍልም። ተፈላሳፋይ ማለት ሓታታይ እዩ፤ ካብ ገዛእ ርእሱ ጀሚሩ ይሓትት ይሕተት፤ ኣብ ሥነ ምሕደራ ድማ እንክሓትትን እንክሕተትን ሓደ ዓይነት መንነት ሒዙ ይርከብ፤ እዚ ድማ ምውናን ልዑል ስብእና ይበሃል። ስለዚ ክትምርምርን ክትሓትትን ግድን ይኸውን፤ መሪሕነት ብሃምኡ ኣይርከብን እሞ፤ እዚ ተደማሚሩ ምዕቡል ሥነ ምሕደራዊ ኩነታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ይፍጠር።

ምእንተ ሓፈሻዊ ፍልጠት[ኮድ አርም]

አብዚ ሓሳብ እዚ ብነፃነት ንዘራረበሉ ንምትህንናፅ ኣርዮስ ፋጎስ (talk) 18:56, 16 ኤፕሪል 2020 (UTC)[reply]